ዘጸኣት 40:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብቲ ማሕደር ኣእትዩ ኸኣ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ+ ኣብ ቦታኡ ገበሮ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ጋረዶ።+ 1 ነገስት 8:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 እቶም ካህናት ድማ ንታቦት ኪዳን የሆዋ ናብ ቦታኡ፡+ ናብታ ውሽጣዊት ክፍሊ እታ ቤት፡ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ኣእተውዎ።+