17 ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሐ፡ ብጽሩይ ወርቂ እውን ለበጦ።+ 18 እቲ ዝፋን ከኣ ሽዱሽተ ደረጃ ነበሮ፣ ምስቲ ዝፋን ዝለገበ ድማ ናይ ወርቂ ድኳ እግሪ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ኾፍ መበሊ ኸኣ መደገፍ ኢድ ነበሮ፣ ኣብ ጐድኒ እቲ መደገፊታት ኢድ ድማ ክልተ ኣንበሳ+ ደው ኢሎም ነበሩ። 19 ኣብቲ ሽዱሽተ ደረጃ 12 ኣንበሳ፡+ ማለት ኣብ ክልቲኡ ጫፍ እቲ ሽዱሽተ ደረጃ ሓሓደ፡ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ዝገበረት ካልእ መንግስቲ ኣይነበረትን።