ዘዳግም 17:15, 16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርየልካ ንጉስ ብርግጽ ሽም።+ ካብ መንጎ ኣሕዋትካ ንጉስ ሽም። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ኣብ ልዕሌኻ ኸይትሸይም ተኸልኪልካ ኢኻ። 16 ግናኸ፡ ንዕኡ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፡+ ወይ ኣፍራስ ኬብዝሕ ኢሉ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ፣+ ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ‘ደጊም በዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለሱ’ ኢሉኩም እዩ። 1 ነገስት 4:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ 4,000* ጋጽ ኣፍራስን* 12,000 ፈረስን* ነበርዎ።+
15 ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርየልካ ንጉስ ብርግጽ ሽም።+ ካብ መንጎ ኣሕዋትካ ንጉስ ሽም። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ኣብ ልዕሌኻ ኸይትሸይም ተኸልኪልካ ኢኻ። 16 ግናኸ፡ ንዕኡ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፡+ ወይ ኣፍራስ ኬብዝሕ ኢሉ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ፣+ ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ‘ደጊም በዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለሱ’ ኢሉኩም እዩ።