-
2 ዜና መዋእል 10:5-7መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
5 ንሱ ኸኣ፡ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ከዱ።+ 6 ንጉስ ሮብዓም ከኣ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ብዛዕባ ዝምልሰሎም ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧” ኢሉ ተማኸረ። 7 ንሳቶም ድማ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ሎሚ ሕያዋይ እንተ ዄንካሎምን ባህ እንተ ኣቢልካዮምን ጽቡቕ ምላሽ እንተ ሂብካዮምን፡ ንሳቶም ወትሩ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።
-