-
2 ዜና መዋእል 10:8-11መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
8 ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ኣጕባዝ ተማኸረ።+ 9 ንዓታቶም ድማ፡ “ነዞም፡ ‘ነቲ ኣቦኻ ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ኣርዑት ኣፍኵሰልና’ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም ብዛዕባ እንምልሰሎም ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። 10 እቶም ምስኡ ዝዓበዩ ኣጕባዝ ከኣ፡ “ነዞም፡ ‘ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና፣ ንስኻ ግና ኣፍኵሰልና’ ዝበሉኻ ህዝቢ፡ ከምዚ በሎም፣ ከምዚ ድማ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ሕንጥሊተይ እኳ ኻብ ሕቘ ኣቦይ ክትረጕድ እያ። 11 ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጽዒኑኩም፣ ኣነ ኸኣ ንኣርዑትኩም ክውስኸሉ እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ’ በሎም” በልዎ።
-