-
1 ነገስት 15:25-29መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
25 ናዳብ+ ወዲ የሮብዓም ከኣ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፣ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። 26 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ብመገዲ ኣቦኡን+ በቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣቱን ድማ ተመላለሰ።+ 27 ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ከኣ ውዲት ኣለመሉ፣ ናዳብን ኵሉ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ድማ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን+ ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ። 28 ባዕሳ ኸኣ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 29 ምስ ነገሰ ድማ፡ ንዅሎም ቤት የሮብዓም ቀተሎም። ከምቲ የሆዋ ብጊልያኡ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ እተዛረቦ ቓል፡ ነቶም ካብ የሮብዓም ዘበሉ ኽሳዕ ዜጽንቶም፡ ትንፋስ ዘለዎ ዘበለ ኣይሓደገን።+
-