27 ዳዊት ናብ ማሓናዪም ምስ መጸ፡ ሾቢ ወዲ ናሓሽ ካብ ራባ+ ናይ ዓሞናውያን፡ ማኪር+ ወዲ ዓሚኤል ካብ ሎ-ድባር፡ ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም መጹ፣ 28 ዓራውትን ገበራታትን ስራሓት ካይላን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ቆሎን ባልደንጓን ብርስንን ጥቡስ እኽልን 29 መዓርን ጠስምን ኣባጊዕን ኣጅቦን ከኣ ኣምጽኡ። “እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዩን ደኺሙን ጸሚኡን ኣሎ” ኢሎም ነበሩ እሞ፡+ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፡ እዚ ዅሉ ኺበልዕዎ ኣምጽኡሎም።+