1 ነገስት 12:28-30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 ንጉስ ድማ ምስ መኸረ፡ ክልተ ምራኽ ወርቂ ገበረ+ እሞ ነቶም ህዝቢ፡ “ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ። ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበካ ኣምላኽካ እንሆልካ” በሎም።+ 29 ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል+ ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን+ ገበሮ። 30 እዚ ድማ ኣሕጥኦም፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ሓደ ኺሰግደሉ ኽሳብ ዳን ይኸይድ ነበረ። 1 ነገስት 13:33 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 33 እዚ ድሕሪ ምዃኑ እኳ፡ የሮብዓም ካብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰን፣ የግዳስ፡ ካብ ማንም ህዝቢ ንበረኽቲ ዚዀኑ ኻህናት ይሸይም ነበረ።+ ንዝደለየ ዘበለ ኸኣ፡ “ሓደ ኻብቶም ንበረኽቲ ዚኸውን ካህናት ይኹን” እናበለ ኻህን ኪኸውን ይሸይም* ነበረ።+
28 ንጉስ ድማ ምስ መኸረ፡ ክልተ ምራኽ ወርቂ ገበረ+ እሞ ነቶም ህዝቢ፡ “ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ። ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበካ ኣምላኽካ እንሆልካ” በሎም።+ 29 ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል+ ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን+ ገበሮ። 30 እዚ ድማ ኣሕጥኦም፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ሓደ ኺሰግደሉ ኽሳብ ዳን ይኸይድ ነበረ።
33 እዚ ድሕሪ ምዃኑ እኳ፡ የሮብዓም ካብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰን፣ የግዳስ፡ ካብ ማንም ህዝቢ ንበረኽቲ ዚዀኑ ኻህናት ይሸይም ነበረ።+ ንዝደለየ ዘበለ ኸኣ፡ “ሓደ ኻብቶም ንበረኽቲ ዚኸውን ካህናት ይኹን” እናበለ ኻህን ኪኸውን ይሸይም* ነበረ።+