23 እምበኣር፡ ክልተ ዝራብዕ ይሃቡና እሞ፡ ሓደ ዝራብዕ ንዓታቶም ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ድማ ኣብ ልዕሊ ዕንጨይቲ የንብርዎ፡ ሓዊ ግና ኣይእጐዱሉ። ኣነ ኸኣ ነቲ ሓደ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕንጨይቲ ኸንብሮ እየ፡ ሓዊ ግና ኣይክኣጕደሉን እየ። 24 ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፣+ ኣነ ድማ ብስም የሆዋ ኽምህለል እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ፡ ንሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኼርኢ እዩ።”+ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እዚ ዝበልካዮ ጽቡቕ እዩ” ኢሎም መለሱ።