-
2 ነገስት 9:24መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
24 የሁ ድማ ቀስቱ ብኢዱ ወሲዱ፡ ንዮራም ኣብ መንጎ መናዅቡ ወግኦ፣ እቲ ፍላጻ ኸኣ ብልቡ ወጸ፣ ኣብ ሰረገላኡ ድማ ተቘልዓጸ።
-
-
2 ነገስት 10:6, 7መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
6 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩም ናተይ እንተ ዄንኩም፡ ክትእዘዙኒ ኸኣ ፍቓደኛታት እንተ ዄንኩም፡ ኣራእስ እቶም ደቂ ጐይታኹም ናባይ ኣምጽኡ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ድማ ናብ ይዝርኤል ምጹኒ” ኢሉ ኻልአይቲ ደብዳበ ጸሓፈሎም።
እቶም 70 ደቂ ንጉስ ከኣ ምስቶም ዜዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነበሩ። 7 እታ ደብዳበ ምስ በጽሓቶም፡ ነቶም ደቂ ንጉስ፡ ን70 ሰባት፡+ ወሲዶም ሓረድዎም፣ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ይዝርኤል ሰደድዎ።
-
-
2 ነገስት 10:23መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
23 የሁ ድማ ምስ ዮናዳብ+ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል ኣተወ። ንኣምለኽቲ በዓል ከኣ፡ “ብዘይካ ኣምለኽቲ በዓል፡ ኣብዚ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸይህልዉ፡ ተጠንቂቕኩም መርምሩን ርኣዩን” በሎም።
-