-
2 ዜና መዋእል 18:12-16መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
12 እቲ ንሚካያ ኺጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ “እንሆ፡ እቶም ነብያት ብሓደ ዀይኖም ንንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ። በጃኻ፡ ዘረባኻ ኸም ናታቶም ይኹን፡+ ጽቡቕ ድማ ተዛረብ” በሎ።+ 13 ሚካያ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ እቲ ኣምላኸይ ዚብሎ እየ ዝዛረብ” በለ።+ 14 ናብ ንጉስ ከኣ መጸ፣ ንጉስ ድማ፡ “ሚካያ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣዶ ኽንከይድ፡ ወይስ ክሓድጎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ብቕጽበት፡ “ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ኢድኩም ኪውሃቡ እዮም” ኢሉ መለሰ። 15 ንጉስ ከኣ፡ “ብስም የሆዋ ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ከይትዛረበኒ ኽንደይ ሳዕ እየ ኸምሕለካ፧” በሎ። 16 ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኵሎም እስራኤላውያን ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ረኣኹ።+ የሆዋ ኸኣ፡ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን። ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ በለ።”
-