-
2 ዜና መዋእል 18:23-27መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
23 ጼዴቅያስ+ ወዲ ከናዓና ድማ ቀሪቡ ንሚካያ+ ኣብ ምዕጕርቱ ወቕዖ+ እሞ፡ “እቲ መንፈስ የሆዋ ንዓኻ ኺዛረብሲ ኻባይ በየን እዩ ሓሊፉ፧” በለ።+ 24 ሚካያ ኸኣ፡ “እንሆ፡ በታ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ በየን ምዃኑ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰ። 25 ንጉስ እስራኤል ድማ ከምዚ በለ፦ “ንሚካያ ናብ ኣሞን እቲ ሓለቓ እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ውሰድዎ። 26 ከምዚ ኸኣ በልዎም፦ ‘ንጉስ ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቲኹም፡+ እተነከየ መቝነን እንጌራን ማይን መግብዎ።”’” 27 ሚካያ ድማ፡ “ብሰላም እንተ ተመሊስካስ፡ የሆዋ ምሳይ ኣይተዛረበን” በለ።+ ብተወሳኺ ኸኣ፡ “ኣቱም ህዝቢ፡ ኵላትኩም ስምዑ” በለ።
-