35 ድሕርዚ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ኽፉእ ዝገበረ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ኪዳን ገበረ።+ 36 ናብ ተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሕ ድማ መሻርኽቱ ገበሮ፣+ ነተን መራኽብ ከኣ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ሰርሕወን።+ 37 ይኹን እምበር፡ ኤልዔዘር ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ “ምስ ኣሓዝያ ኺዳን ስለ ዝገበርካ፡ የሆዋ ንዕዮኻ ኼፍርሶ እዩ” ኢሉ ኣንጻር ዮሳፋጥ ተነበየ።+ እተን መራኽብ ድማ ተሰብራ፣+ ናብ ተርሲስ ኪኸዳ እውን ኣይከኣላን።