ማቴዎስ 10:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ሕሙማት ኣሕውዩ፡+ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ድዉያት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ። ሉቃስ 12:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ሽዑ፡ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ እሞ፡+ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ድማ ተሓለዉ” በሎም።+ ግብሪ ሃዋርያት 20:33 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 33 ናይ ሰብ ብሩር ኰነ ወርቂ ዀነ ወይ ክዳን ኣይተተምነኹን።+ 1 ጢሞቴዎስ 6:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ከመይሲ፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት* እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምቢሎም፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።+
10 ከመይሲ፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት* እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምቢሎም፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።+