-
2 ዜና መዋእል 23:4-7መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
4 እቲ እትገብርዎ እዚ እዩ፦ ብሰንበት ዚዓይዩ ሲሶ ኻህናትን ሌዋውያንን፡+ ሓለውቲ ማዕጾ ኪዀኑ እዮም፣+ 5 ሲሶ ድማ ኣብ ቤት* ንጉስ ኪዀኑ፡+ ሲሶ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መሰረት ኪዀኑ እዮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣጸዳት ቤት የሆዋ ኪኸውን እዩ።+ 6 ብዘይካ እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሌዋውያንን፡ ሓደ እኳ ናብ ቤት የሆዋ ኺኣቱ ኣይትሕደጉ።+ ንሳቶም ግና ቅዱስ ጕጅለ ስለ ዝዀኑ፡ ኪኣትዉ ይኽእሉ እዮም፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ግዴታ ይሓልዉ። 7 እቶም ሌዋውያን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ይኽበብዎ። ናብታ ቤት ዚኣቱ ዘበለ ድማ ይቀተል። ንጉስ ናብ ዝኸዶ ዘበለ፡* ምስኡ ኹኑ።”
-