14 ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ የሆዋ ንኣብራም፡ “በጃኻ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብ ምዕራብን ጠምት፣ 15 ከመይሲ፡ እዛ እትርእያ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህበካ እየ።+ 16 ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ፡ ሓመድ ምድሪ ኪቘጽር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ዘርእኻ ኸኣ ኪቝጸር ይከኣል።+