2 ነገስት 24:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ዮያኪን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 18 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፣ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ። 2 ነገስት 24:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣዲኡን ገላዉኡን መሳፍንቱን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን+ ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጸ፣+ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሻምነይቲ ዓመት ንግስናኡ ማሪኹ ወሰዶ።+ ኤርምያስ 24:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 24 ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ንየኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ምስቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም መሳፍንቲ ይሁዳን ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን* ናብ ምርኮ ምስ ወሰዶ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተነብራ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ፣ ማቴዎስ 1:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ዮስያስ+ ብግዜ ምርኮ ባቢሎን+ ንየኮንያን+ ንኣሕዋቱን ወለደ።
12 ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣዲኡን ገላዉኡን መሳፍንቱን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን+ ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጸ፣+ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሻምነይቲ ዓመት ንግስናኡ ማሪኹ ወሰዶ።+
24 ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ንየኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ምስቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም መሳፍንቲ ይሁዳን ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን* ናብ ምርኮ ምስ ወሰዶ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተነብራ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ፣