-
2 ሳሙኤል 3:2-5መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
2 ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ።+ እቲ በዅሩ ኸኣ፡ ካብ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን+ እዩ። 3 እቲ ኻልኣዩ ድማ፡ ካብ ኣቢጋይል+ ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳዊ እተወልደ ኪልኣብ እዩ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ኣቤሴሎም+ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ+ ንጉስ ጌሹር እዩ። 4 እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት፡ እቲ ሓምሻይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ። 5 እቲ ሻድሻይ ድማ፡ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ።
-