2 ሳሙኤል 7:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፣ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ።+ እንተ በዲሉ፡ ብበትሪ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን* ገይረ ኽገንሖ እየ።+ ሉቃስ 9:35 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 35 ካብቲ ደበና ድማ፡ “እቲ እተሓርየ+ ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ”+ ዚብል ድምጺ መጸ።+ እብራውያን 1:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ንኣብነት፡ ኣምላኽ ካብ መላእኽቲ ንመኖም እዩ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ፡”+ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፡ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ”+ ዝበሎ፧
5 ንኣብነት፡ ኣምላኽ ካብ መላእኽቲ ንመኖም እዩ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ፡”+ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፡ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ”+ ዝበሎ፧