-
ዘዳግም 7:9መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
9 የሆዋ ኣምላኽካ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ነቶም ዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዚሕልዉን ኪዳኑን ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+
-
-
1 ነገስት 8:23-26መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
23 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብዅሉ ልቦም ዚመላለሱ ገላዉኻ ኺዳን እትሕሉን ብተኣማንነት እተፍቅርን፡+ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ኰነ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን።+ 24 እቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ሓሊኻዮ ኢኻ። ብኣፍካ ኣተስፊኻ ኢኻ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ብኢድካ ፈጺምካዮ ኣለኻ።+ 25 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት፡ ‘ደቅኻ፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካዮ ጥራይ ብምምልላስ ንመገዶም እንተ ተጠንቂቖም፡ ካባኻ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’ ኢልካ ዘተስፎኻዮ ሓልዎ።+ 26 ሕጂ ድማ፡ ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ፡ እቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ተስፋ እሙን ይኹን።
-