11 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስ ከተማልእዎ ዚሓትተኩም ግቡእ እዚ እዩ፦+ ንኣወዳትኩም ወሲዱ+ ሰብ ሰረገላታቱን+ ፈረሰኛታቱን+ ኪገብሮም እዩ፣ ገሊኦም ድማ ቀቅድሚ ሰረገላታቱ ኺጐይዩ እዮም። 12 ንገዛእ ርእሱ ዚዀኑ ኣሕሉቕ ሽሕን+ ኣሕሉቕ ሓምሳን+ ገይሩ ኸኣ ኪሸሞም እዩ፣ ገሊኦም ድማ ማሕረሱ ኺሓርሱ፡+ ዓጺዱ ኺዓጽዱ፡+ ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሑ ሰረገላታቱን ከኣ ኪሰርሑ እዮም።+