22 ግናኸ፡ ሸማዕያ+ ናብ ዚብሃል ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መጸ፦ 23 “ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ንጉስ ይሁዳን ንዅላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዚ በሎም፦ 24 ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ ኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ክትዋግኡ ኣይትደይቡ። እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ።”’”+ ንሳቶም ከኣ ቃል የሆዋ ተኣዚዞም፡ ከምቲ የሆዋ ዝነገሮም ናብ ቤቶም ተመልሱ።