-
ነህምያ 10:28-30መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
28 እቶም ዝተረፉ ህዝቢ፡—እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምስዓብ ርእሱ ኻብ ህዝብታት እተን ሃገራት ዝፈለየ ዘበለ ዅሉን+ ምስ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ምስ ኵሎም እቶም ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎም* ኰይኖም፡— 29 ምስ ኣሕዋቶምን ምርኡያቶምን ሓቢሮም፡ በቲ ብሙሴ እቲ ጊልያ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተዋህበ ሕጊ ኺመላለሱን ኵሉ ትእዛዛት ጐይታና የሆዋን ፍርድታቱን ስርዓታቱን ተጠንቂቖም ኪሕልዉን ብመርገምን ብማሕላን ገዛእ ርእሶም ኣሰሩ። 30 ኣዋልድና ንህዝብታት እዛ ምድሪ ኣይክንህብን፡ ንኣወዳትና ኸኣ ኣዋልዶም ኣይክንወስድን ኢና።+
-