ዘጸኣት 2:23-25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ድሕሪ ብዙሕ እዋን፡* ንጉስ ግብጺ ሞተ።+ እስራኤላውያን ግና ብሰንኪ ባርነቶም እህህ ይብሉን ይጭርሑን ነበሩ፣ እቲ ብሰንኪ ባርነቶም ዜእውይዎ ኣውያት ድማ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ።+ 24 ኣምላኽ ከኣ ቍዝማኦም ሰምዐ፣+ ኣምላኽ ድማ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ።+ 25 ስለዚ፡ ኣምላኽ ናብ እስራኤላውያን ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ኣስተብሃለ። ዘጸኣት 3:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ ብሰሪ እቶም ኣገዲዶም ዜዕይይዎም ኣዕየይቲ ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ።+
23 ድሕሪ ብዙሕ እዋን፡* ንጉስ ግብጺ ሞተ።+ እስራኤላውያን ግና ብሰንኪ ባርነቶም እህህ ይብሉን ይጭርሑን ነበሩ፣ እቲ ብሰንኪ ባርነቶም ዜእውይዎ ኣውያት ድማ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ።+ 24 ኣምላኽ ከኣ ቍዝማኦም ሰምዐ፣+ ኣምላኽ ድማ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ።+ 25 ስለዚ፡ ኣምላኽ ናብ እስራኤላውያን ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ኣስተብሃለ።
7 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ ብሰሪ እቶም ኣገዲዶም ዜዕይይዎም ኣዕየይቲ ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ።+