-
ነህምያ 10:28, 29መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
28 እቶም ዝተረፉ ህዝቢ፡—እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምስዓብ ርእሱ ኻብ ህዝብታት እተን ሃገራት ዝፈለየ ዘበለ ዅሉን+ ምስ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ምስ ኵሎም እቶም ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎም* ኰይኖም፡— 29 ምስ ኣሕዋቶምን ምርኡያቶምን ሓቢሮም፡ በቲ ብሙሴ እቲ ጊልያ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተዋህበ ሕጊ ኺመላለሱን ኵሉ ትእዛዛት ጐይታና የሆዋን ፍርድታቱን ስርዓታቱን ተጠንቂቖም ኪሕልዉን ብመርገምን ብማሕላን ገዛእ ርእሶም ኣሰሩ።
-