ኣስቴር 3:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 እተን ደብዳበታት ከኣ፡ ንዅሎም ኣይሁድ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሕጻናትን ንኣንስትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡+ ኬጽንትዎምን ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን፡ ጥሪቶም ድማ ኪዘምቱ+ ዚብል ትእዛዝ ሒዘን፡ ብመልእኽተኛታት ናብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ተላእካ። ኣስቴር 4:7, 8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ማርዶካይ ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝዀኖን ብዛዕባ እቲ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ናብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ቓል ዝኣተዎ ልክዕ መጠን ገንዘብን ነገሮ።+ 8 ንኣስቴር ኬርእያን ኪገልጸላን፡ ናብ ንጉስ ኣትያ ኣብ ክንዲ ህዝባ ኸተማልድን ብቐጥታ ኽትልምኖን ከኣ ኪነግራ፡+ ቅዳሕ እቲ ንምጥፋኦም ኣብ ሱሳን* ብጽሑፍ ዝወጸ ትእዛዝ ሃቦ።+
13 እተን ደብዳበታት ከኣ፡ ንዅሎም ኣይሁድ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሕጻናትን ንኣንስትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡+ ኬጽንትዎምን ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን፡ ጥሪቶም ድማ ኪዘምቱ+ ዚብል ትእዛዝ ሒዘን፡ ብመልእኽተኛታት ናብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ተላእካ።
7 ማርዶካይ ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝዀኖን ብዛዕባ እቲ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ናብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ቓል ዝኣተዎ ልክዕ መጠን ገንዘብን ነገሮ።+ 8 ንኣስቴር ኬርእያን ኪገልጸላን፡ ናብ ንጉስ ኣትያ ኣብ ክንዲ ህዝባ ኸተማልድን ብቐጥታ ኽትልምኖን ከኣ ኪነግራ፡+ ቅዳሕ እቲ ንምጥፋኦም ኣብ ሱሳን* ብጽሑፍ ዝወጸ ትእዛዝ ሃቦ።+