መዝሙር 39:5, 6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 እንሆ፡ ንመዓልትታተይ ሒደት* ጌርካየን፣+ንውሓት ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ገለ እኳ ኣይኰናን።+ ብርግጽ ኵሉ ሰብ ጸኒዑ ዝቘመ እኳ እንተ መሰለ፡ ትንፋስ ጥራይ እምበር ገለ እኳ ኣይኰነን።+ (ሴላ) 6 ብርግጽ ኵሉ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ። ንኸንቱ ሃለኽለኽ ይብል።* መን ከም ዚጥቀመሉ ኸይፈለጠ፡ ሃብቲ ይድልብ።+ ያእቆብ 4:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ጽባሕ ህይወትኩም እንታይ ከም እትኸውን ኣይትፈልጡን ኢኹም።+ ንቝሩብ ግዜ ተራእዩስ ደሓር ዚበንን ግመ ኢኹም።+
5 እንሆ፡ ንመዓልትታተይ ሒደት* ጌርካየን፣+ንውሓት ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ገለ እኳ ኣይኰናን።+ ብርግጽ ኵሉ ሰብ ጸኒዑ ዝቘመ እኳ እንተ መሰለ፡ ትንፋስ ጥራይ እምበር ገለ እኳ ኣይኰነን።+ (ሴላ) 6 ብርግጽ ኵሉ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ። ንኸንቱ ሃለኽለኽ ይብል።* መን ከም ዚጥቀመሉ ኸይፈለጠ፡ ሃብቲ ይድልብ።+