ዘፍጥረት 32:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 እዚ ንጊልያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ዅሉ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ኵሉ ተኣማንነትን ዘይግብኣኒ እዩ።+ ከመይሲ፡ ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ በትረይ ጥራይ ሒዘ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ሰፈር ኰይነ ኣለኹ።+ 1 ሳሙኤል 2:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 የሆዋ የንዲ፡ የሀብትም ድማ፣+ትሕት የብል፡ ልዕል ከኣ የብል።+ 2 ዜና መዋእል 25:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “እቲ ንሰራዊት እስራኤል ዝሃብክዎ 100 ታለንትኸ፧” በሎ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ “የሆዋ ኻብኡ ዚበዝሕ ኪህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ ምሳሌ 22:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት የሆዋንሲ፡ሃብትን ክብርን ህይወትን* እዩ።+ ኢሳይያስ 61:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ኣብ ክንዲ ሕፍረትሲ፡ ዕጽፊ ግደ ኺህልወኩም እዩ፣ኣብ ክንዲ ውርደት ከኣ፡ ብብጽሒቶም እልል ኪብሉ እዮም። እወ፡ ኣብ ምድሮም ዕጽፊ ግደ ኺርስተዩ እዮም።+ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።+
10 እዚ ንጊልያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ዅሉ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ኵሉ ተኣማንነትን ዘይግብኣኒ እዩ።+ ከመይሲ፡ ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ በትረይ ጥራይ ሒዘ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ሰፈር ኰይነ ኣለኹ።+
9 ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “እቲ ንሰራዊት እስራኤል ዝሃብክዎ 100 ታለንትኸ፧” በሎ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ “የሆዋ ኻብኡ ዚበዝሕ ኪህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+
7 ኣብ ክንዲ ሕፍረትሲ፡ ዕጽፊ ግደ ኺህልወኩም እዩ፣ኣብ ክንዲ ውርደት ከኣ፡ ብብጽሒቶም እልል ኪብሉ እዮም። እወ፡ ኣብ ምድሮም ዕጽፊ ግደ ኺርስተዩ እዮም።+ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።+