1 ሳሙኤል 2:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 የሆዋ የንዲ፡ የሀብትም ድማ፣+ትሕት የብል፡ ልዕል ከኣ የብል።+ ዳንኤል 2:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ንሱ ግዜያትን እዋናትን ይለዋውጥ፣+ነገስታት የልግስ፡ ነገስታት እውን የቕውም፣+ንጥበበኛታት ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን ይህቦም።+ ዳንኤል 4:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ህያዋን ዘበሉ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑ፡+ ንዝደለዮ ድማ ከም ዚህባ፡ ኣብ ልዕሊኣ እውን ካብ ሰብ እቲ ዝተሓተ ኸም ዜቕውም ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ብትእዛዝ ሓለውቲ፡+ እቲ ውሳነ እውን ብቓል ቅዱሳት እዩ።” ሉቃስ 1:52 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 52 ንሰበ ስልጣን ካብ ዝፋናት ኣውሪድዎም፡+ ንትሑታት ከኣ ልዕል ኣቢልዎም፣+
17 ህያዋን ዘበሉ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑ፡+ ንዝደለዮ ድማ ከም ዚህባ፡ ኣብ ልዕሊኣ እውን ካብ ሰብ እቲ ዝተሓተ ኸም ዜቕውም ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ብትእዛዝ ሓለውቲ፡+ እቲ ውሳነ እውን ብቓል ቅዱሳት እዩ።”