ዘፍጥረት 15:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ድሕርዚ፡ ቃል የሆዋ ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፦ “ኣብራም፡ ኣይትፍራህ።+ ዋልታኻ ኣነ እየ።+ ዓስብኻ ኣዝዩ ብዙሕ ኪኸውን እዩ።”+ መዝሙር 84:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 የሆዋ ኣምላኽሲ ጸሓይን+ ዋልታን እዩ፣+ሞገስን ክብርን ከኣ ይህብ። የሆዋ ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ጽቡቕ ዘበለ ኣይከልኦምን እዩ።+