መዝሙር 136:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንዅሉ ህያው* ይምግብ እዩ።+ መዝሙር 145:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ኵለን ኣዒንቲ ብተስፋ ናባኻ ይጥምታ፣ንስኻ እውን ብግዜኡ ምግቦም ትህቦም።+ መዝሙር 147:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ንእንስሳታት ምግቢ ይህቦም፡+ጩቝጩቝ ንዚብሉ ጨቓዊት ኳዃት እውን ይምግቦም።+ ማቴዎስ 6:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣+ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧
26 ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣+ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧