15 መልኣኽ የሆዋ ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማያት ንኣብርሃም ጸውዖ፡ 16 ከምዚ እውን በሎ፦ “‘ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፡’ ይብል የሆዋ፡+ ‘እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበርካን ነቲ ሓደ ወድኻ ስለ ዘይከላእካንን፡+ 17 ብርግጽ ክባርኸካ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማያትን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻን ብርግጽ ከብዝሖ እየ፣+ ዘርእኻ ኣፍ ደገ ጸላእቱ ኺርስተ እዩ።+ 18 ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ+ በረኸት ኪረኽቡ እዮም።’”+