-
ዘጸኣት 10:13-15መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
13 ብኡብኡ፡ ሙሴ ንበትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሓ፣ የሆዋ ኸኣ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን ብምልእታ እታ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ናብታ ምድሪ ኣንፈሰ። ምስ ነግሀ ድማ፡ እቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽአ። 14 እቶም ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ መጹ፣ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ድማ ዓለቡ።+ ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ፣+ ክንዳኡ ዝምብዛሖም ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበሩን፡ ብድሕሪኡ እውን ከማታቶም ዝበሉ ኸቶ ኣይኰኑን። 15 ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደንዋ፣ ምድሪ እውን ጸልመተት። ንዅሉ ኣትክልቲ ምድርን ንዅሉ እቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ፍረ ኦምን ድማ በልዕዎ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ኦም ወይ ኣብ ኣትክልቲ መሮር ገለ ለምለም እኳ ኣይተረፈን።
-