11 “ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ንዓይ ዚቀናቐን ከቶ ብዘይምጽዋሩ፡ ቍጥዓይ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሊስዎ እዩ።+ ስለቲ ንበይነይ ዝደልዮ ተወፋይነት ኢለ ድማ ንእስራኤላውያን ኣየጽነትክዎምን።+ 12 ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘ንዕኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። 13 ንኣምላኹ ዚቀናቐን ስለ ዘይተጻወረን+ ንእስራኤላውያን ስለ ዘተዓረቖምን፡ እዚ ንዕኡን ንዘርኡ ድማ ብድሕሪኡን ኪዳን ናይ ሓዋሩ ኽህነት ይኹን።’”+