-
ግብሪ ሃዋርያት 1:16-20መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
16 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብዳዊት ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ዝመርሖም+ ይሁዳ+ ብትንቢት እተዛረቦ ቕዱስ ጽሑፍ ኪፍጸም ነይርዎ። 17 ንሱስ ምሳና ተቘጺሩ ነይሩ፣+ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ድማ ግደ ነይርዎ። 18 (እምበኣር፡ ንሱ በቲ ዓስቢ ዓመጻ፡ ግራት ዓዲጉ፣+ ቍልቁል ርእሱ ወዲቑ፡ ከብዱ ተተርቲሩ፡ ኵሉ ኣምዑቱ እውን ወጺኡ።+ 19 እዚ እውን፡ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ስለ እተፈልጠ፡ እታ መሬት ብቛንቋኦም ኣከልደማ፡ ማለት “መሬት ደም” ተባሂላ ኣላ።) 20 ኣብ መጽሓፍ መዝሙርሲ፡ ‘መንበሪኡ ትባድም፡ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይንበር’+ ድማ ‘ሓላውነቱ* ኻልእ ይውሰዶ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+
-