ዘዳግም 24:12, 13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 እቲ ሰብ ሽጉር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ነቲ ትሕጃ ምሳኻ ኣይተሕድሮ።+ 13 ነቲ ትሕጃ ጸሓይ ምስ ዓረበት ምለሰሉ፣ ንሱ ድማ ምስ ክዳኑ ኺድቅስን+ ኪምርቐካን እዩ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ እውን ጽድቂ ኪዀነልካ እዩ። 2 ቈረንቶስ 9:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 (ከምቲ፡ “ብሰፊሑ* ዓዲሉ፣ ንድኻታት ሂቡ። ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ።+ እብራውያን 6:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡+ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን።
12 እቲ ሰብ ሽጉር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ነቲ ትሕጃ ምሳኻ ኣይተሕድሮ።+ 13 ነቲ ትሕጃ ጸሓይ ምስ ዓረበት ምለሰሉ፣ ንሱ ድማ ምስ ክዳኑ ኺድቅስን+ ኪምርቐካን እዩ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ እውን ጽድቂ ኪዀነልካ እዩ።