መዝሙር 51:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 51 ኦ ኣምላኽ፡ ከምቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ።+ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፡ ኣበሳይ ደምስስ።+ መዝሙር 103:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ከምቲ ኣቦ ንደቁ ዚምሕሮም፡የሆዋ ንዚፈርህዎ ምሒርዎም።+ መዝሙር 119:116 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 116 ብህይወት ክነብርሲ፡ከም ቃልካ ደግፈኒ፣+ተስፋይ ናብ ሕፍረት ኣይትለውጦ።+ ዳንኤል 9:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ኦ ኣምላኸይ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ! ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ንሕናን እታ ብስምካ እትጽዋዕ ዝነበረት ከተማን ዓኒና ኸም ዘለና ርአ። ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ እምበር፡ ስለ ጽድቅና ኣይኰንናን እንልምነካ ዘለና።+ ሉቃስ 1:50 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 50 ምሕረቱ ኸኣ ኣብቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+
18 ኦ ኣምላኸይ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ! ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ንሕናን እታ ብስምካ እትጽዋዕ ዝነበረት ከተማን ዓኒና ኸም ዘለና ርአ። ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ እምበር፡ ስለ ጽድቅና ኣይኰንናን እንልምነካ ዘለና።+