መዝሙር 119:105 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 105 ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።+ ምሳሌ 6:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ትእዛዝሲ መብራህቲ፡+ሕጊ ኸኣ ብርሃን፡+መግናሕቲ ተግሳጽ ድማ መገዲ ህይወት እዩ።+ 2 ቈረንቶስ 4:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 እቲ፡ “ካብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለስ ኣምላኽ እዩ፣+ ንብርሃን እቲ ኽቡር ፍልጠት ኣምላኽ ድማ ብገጽ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብሪህዎ ኣሎ።+ 2 ጴጥሮስ 1:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ስለዚ፡ ኣጸቢቑ እተረጋገጸ ትንቢታዊ ቓል ኣሎና፣ ንስኻትኩም እውን መዓልቲ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕ+ እውን ክሳዕ ዚወጽእ፡ ከምቲ ኣብ ጸልማት ቦታ ንዘሎ መብራህቲ+ ጌርኩም ኣብ ልብኹም ተቕልቡሉ ብምህላውኩም ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም።
19 ስለዚ፡ ኣጸቢቑ እተረጋገጸ ትንቢታዊ ቓል ኣሎና፣ ንስኻትኩም እውን መዓልቲ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕ+ እውን ክሳዕ ዚወጽእ፡ ከምቲ ኣብ ጸልማት ቦታ ንዘሎ መብራህቲ+ ጌርኩም ኣብ ልብኹም ተቕልቡሉ ብምህላውኩም ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም።