-
ዘፍጥረት 20:6መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
6 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ “ኣነ እውን እዚ ብቕኑዕ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ እፈልጥ እየ፣ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ድማ ከልከልኩኻ። ስለዚ፡ ክትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን።
-
-
2 ዜና መዋእል 26:16-18መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
16 ምስ በርትዐ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየ፣ ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ብምእታው ድማ ንየሆዋ ኣምላኹ ጠለሞ።+ 17 ብኡብኡ፡ ካህን ዓዛርያን 80 ተባዓት ካህናት የሆዋን ደድሕሪኡ ኣተዉ። 18 ንሳቶም ድማ ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ እውን በልዎ፦ “ኦ ዑዝያ፡ ንስኻ ንየሆዋ ዕጣን ክትዓጥን ግቡእ ኣይኰነን!+ እቶም እተቐደሱ ኻህናት፡ ደቂ ኣሮን እዮም እሞ፡ ንሳቶም ጥራይ እዮም ዕጣን ኪዓጥኑ ዘለዎም።+ ጠሊምካ ኢኻ እሞ፡ ካብዚ መቕደስ ውጻእ፣ በዚ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ።”
-