ምሳሌ 19:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ውጥናት ኣሎ፣እቲ ዚዕወት ግና ምኽሪ* የሆዋ እዩ።+ ኢሳይያስ 46:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ።+ ‘ውሳነይ* ኪቐውም፡+ባህ ዝበለኒ ድማ ክገብር እየ’ እብል እየ።+