ዘሌዋውያን 25:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 “‘እታ ምድሪ ናተይ እያ፡+ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድመይ ጓኖትን ሰፈርትን ኢኹም እሞ፡+ እታ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።+ 1 ዜና መዋእል 29:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ንሕናስ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና ጓኖትን ሰፋሮን ኢና።+ መዓልትታትና ኣብ ምድሪ እውን ከም ጽላሎት፡+ ብዘይ ተስፋ እየን።