11 ንሳቶም ከኣ ዘመን ጥንቲ፡
ዘመን ሙሴ እቲ ጊልያኡ ዘከሩ፦
“እቲ ምስ ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ+ ዘውጽኦም ኣበይ ኣሎ፧+
እቲ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብ ውሽጡ ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ፧+
12 እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ምስ የማነይቲ ኢድ ሙሴ ኸም እትኸይድ ዝገበረ፡+
ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኺገብርሲ፡+
ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝመቐለ፡+
13 ከም ፈረስ ኣብ መሮር
ከይተዓንቀፉ ኪኸዱስ፡
በቲ ቡሕቡሕታ ማያት ዘኼዶም ኣበይ ኣሎ፧