ምሳሌ 17:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ኣበሳ ዚሓድግ፡* ፍቕሪ ይደሊ፣+ንነገር መመሊሱ ዜልዕሎ ግና ናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ።+ 1 ቈረንቶስ 13:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ፍቕሪ+ ዓቃልን+ ለዋህን+ እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡+ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡+ 1 ቈረንቶስ 13:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡+ ኵሉ ትኣምን፡+ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡+ ኵሉ ትጻወር።+ 1 ጴጥሮስ 4:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡+ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።+