1 ነገስት 2:44 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 44 ንጉስ ከኣ ንሺምዒ፡ “እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዅሉ ጕድኣት ብልብኻ ትፈልጦ ኢኻ፣+ የሆዋ ድማ ነቲ ጕድኣት እቲ ኣብ ርእስኻ ኺመልሰልካ እዩ።+ 1 ነገስት 2:46 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 46 ሽዑ፡ ንጉስ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፣ ንሱ ድማ ወጺኡ ወቕዖ እሞ ሞተ።+ በዚ ኸምዚ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዐት።+