7 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ መንእሰይን ዘይምኩርን ክነሰይ፡+ ንጊልያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንጊስካዮ ኢኻ። 8 ጊልያኻ ኸኣ ኣብ መንጎ እዚ ዝሓረኻዮ ህዝብኻ፡+ ኣብ መንጎ እዚ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ዘይቍጸርን ዘይጽብጸብን ህዝቢ እዩ ዘሎ። 9 ነዚ ብዙሕ ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧ ስለዚ፡ ንጊልያኻ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ+ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡+ እዙዝ ልቢ ሃቦ።”