መዝሙር 62:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ኦ የሆዋ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፡+ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ እውን ናትካ እዩ።+ ማቴዎስ 16:27 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 ወዲ ሰብሲ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።+ ሮሜ 2:5, 6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ግናኸ፡ ብትርኻን በቲ ዘይንሳሕ ልብኻን፡ ነቲ ብመዓልቲ ቝጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቍጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣለኻ።+ 6 ንሱ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ፦+
5 ግናኸ፡ ብትርኻን በቲ ዘይንሳሕ ልብኻን፡ ነቲ ብመዓልቲ ቝጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቍጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣለኻ።+ 6 ንሱ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ፦+