መዝሙር 19:9, 10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ፍርሃት የሆዋ+ ንጹህ እዩ፡ ንዘለኣለም ይነብር። ፍርድታት የሆዋ ሓቂ እዩ፡ ብምሉኡ ጻድቕ እዩ።+ 10 ካብ ወርቂ፡ካብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ይብሃግ፣+ካብ መዓር፡ ካብቲ ኻብ ጎጎኡ ዜንጠብጥብ መዓር እኳ ይጥዕም።+ መዝሙር 119:103 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 103 ቃላትካ ንትንሓገይ ክንደይ ኰን ይጥዕም! ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር!+
9 ፍርሃት የሆዋ+ ንጹህ እዩ፡ ንዘለኣለም ይነብር። ፍርድታት የሆዋ ሓቂ እዩ፡ ብምሉኡ ጻድቕ እዩ።+ 10 ካብ ወርቂ፡ካብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ይብሃግ፣+ካብ መዓር፡ ካብቲ ኻብ ጎጎኡ ዜንጠብጥብ መዓር እኳ ይጥዕም።+