መዝሙር 141:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ጻድቕ እንተ ዚወቕዓኒ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ምዀነ፣+እንተ ዚገንሓኒ፡ ኣብ ርእሰይ ከም ዘይቲ ምዀነ፣+ርእሰይ እውን ከቶ ኣይምኣበዮን።+ ብግዜ መዓቶም እኳ ገና ኽጽሊ እየ። ምሳሌ 1:8, 9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ወደየ፡ ተግሳጽ ኣቦኻ ስማዕ፣+ትምህርቲ* ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።+ 9 ንሱስ ንርእስኻ ማራኺ ኣኽሊል፡+ንኽሳድካ ኸኣ ጽቡቕ ስልማት እዩ።+ ምሳሌ 9:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ንመላገጺ ኣይትግንሓዮ፡ እንተ ዘይኰነስ ኪጸልኣካ እዩ።+ ንጥበበኛ ግንሓዮ፡ ንሱ ድማ ኬፍቅረካ እዩ።+
5 ጻድቕ እንተ ዚወቕዓኒ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ምዀነ፣+እንተ ዚገንሓኒ፡ ኣብ ርእሰይ ከም ዘይቲ ምዀነ፣+ርእሰይ እውን ከቶ ኣይምኣበዮን።+ ብግዜ መዓቶም እኳ ገና ኽጽሊ እየ።