ምሳሌ 14:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ጐራሕ ብጥበብ ነታ ዚኸደላ መገዲ ይርድኣ፣ዓያሹ ግና ብዕሽነቶም ይታለሉ።*+ ምሳሌ 17:24 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 24 ጥበብ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ኣስተውዓሊ ሰብ እያ፣ኣዒንቲ ዓያሹ ግና ናብ ወሰናት ምድሪ የብላ።+ ዮሃንስ 3:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ንፍርዲ መሰረት ዚኸውን ከኣ እዚ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መጺኡ ኣሎ፣+ ሰባት ግና ግብሮም እኩይ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት እዮም ፈትዮም። 1 ዮሃንስ 2:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና፡ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎን ዚመላለስን፣+ ጸልማት ንኣዒንቱ ስለ ዘዖሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።+