-
ኢሳይያስ 60:4መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
4 ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ናብ ዙርያኺ ጠምቲ!
ኵሎም ተኣኪቦም፡ ኵሎም እውን ናባኺ ይመጹ ኣለዉ።
-
-
ኢሳይያስ 66:20መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
20 ከምቲ ህዝቢ እስራኤል ንመባኦም ኣብ ጽሩይ ኣቕሑ ገይሮም ናብ ቤት የሆዋ ዜምጽእዎ፡ ንዅሎም ኣሕዋትኩም ብኣፍራስን ብሰረገላታትን ብሽፉናት ሰረገላታትን ብኣባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ካብ ኵሎም ኣህዛብ ክሳብ እቲ ቕዱስ ከረነይ የሩሳሌም ንየሆዋ መባእ ገይሮም ኬምጽእዎም እዮም”+ ይብል የሆዋ።
-